ናይ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ሚልሻ፡ ናብ መሬት ሱዳን 15 ኪሎ ሜትር ጥሒሶም ብምእታው ሓድሽ
መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ሱዳን ትሪቢዩን ሓቢሩ።
እቶም ዕጡቓት ኣብ ከባቢ ኣልፋሺጋ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሓረስቶትን ጓሶትን ከቢድ ዓመጽ፡ ዝምታን
መጥቃዕትን ይፍጽሙ ከምዘለዉ ዘመልከተ እቲ ማዕከን፡ ሕርሻዊ መሬት ንምምንዛዕ ይፍትኑ
ምህላዎም ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ጸብጻብ ናይቲ ምንጪ፡ ክሳብ ሕጂ ሓደ ሰብ ከምእተቐትለን ብኣማኢት ዝቑጸራ ጥሪት
ከምእተዘምታን ተፈሊጡ ኣሎ።
ነበርቲ ናይቲ ከባቢ፡ መንግስቲ ሱዳንን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ቅጽበታዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ነቲ
ኣብ ከባቢ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ከህድእዎ ይጽውዑ ምህላዎም ከኣ፡ ተንታኒ
ፖለቲካ ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ ማርቲን ፕላውት ሓቢሩ።
ሰራዊት ሱዳን ካብ 2020 ጀሚሩ ን90 ሚእታዊት ከባቢ ኣልፋሺጋ ተቖጻጺርዎ እኳ እንተጸንሐ፡ ሕጂ
ግን ኣብ ደማዊ ሓድሕዳዊ ኲናት ተጸሚዱ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ ብወገን ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ
ዝፍኖ ዘሎ።