ምኩር ኔዘርላንዳዊ ፖለቲከኛ ማርክ ሩቲ ናይ ሕብረት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ዋና
ጸሓፊ ኰይኑ ከም ዝተመርጸ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣቃሊሐን።

ማርክ ሩቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕቑድ ውህሉል ተምክሮታቱ ንኔቶ ከካፍል ድሕሪ
ምጽናሕ’ዩ ኣብዚ ጊዜዚ ናይቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ተኣፋፊ ፖለቲካዊ ኩነታት
ዝርከብ ኔቶ መራሒ ክኸውን ተመሪጹ ዘሎ።

እቲ ኣብ ዘ ሄግ ኔዘርላንድስ ኣብ 14 ለካቲት, 1967 ዓ.ም ዝተወልደ
ማርክ ሩቲ፡ ኣብ ናይ ሃገሩን ዓለም-ለኻዊ ፖለቲካን ጉሉሕ ተራ ክጻወት
ዝጸንሐ ስመ-ግኑን ፖለቲከኛ ኮይኑ፣ቅድሚ ኣብ መጀመርታ 90ታት ናብ
ፖለቲካ ዓለም ምእታው ተራ መምህር ኮይኑ ይሰርሕ ከም ዝነበረ እዩ ዝሕበር።

ማርክ ሩቲ ካብ ስራሕ ምምህርና ናብ ኣባል ናይ ህዝባዊ ሰልፊ ንናጽነትን
ዴሞክራስን ኣብ ዝተሰጋገረሉ እዋን ቀልጢፉ ናብ ዝለዓለ መዝነት ክብ ክብል ግዜ ዘይወሰደ ኮይኑ፣ ኣብ
ጥቅምቲ 2010 ናይ ኔዘርላንድስ ቀዳማይ ሚንስተር ክኸውን ዝበቕዐ ምኩር ፖለቲከኛ እዩ።

ማርክ ሩቲ ናይ ሃገሩ ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ ኣብታ ሃገር
ዝጥቀስ ቁጠባዊ ዕብየት ከም ዘመዝገበን ናይ ስራሕ ዕድላት
ብምፍጣር ኣቐዲሙ ንዝነበረ ሽቕለት ኣልቦነት ብዓቢ ቁጽሪ ከም ዘጉደሎን
ብሰፊሑ ዝንገረሉ ዕውት መራሒ ከም ዝኾነ ሕሉፍ ታሪኹ ይሕብር።

ማርክ ሩቲ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ኮይኑ ክምረጽ ከሎ፣ ንዘለዎ ልዑል ናይ
ምልዛብ ክእለትን ሕድገታዊ ኣቀራርባን ተጠቂሙ ነቲ ሕብረት ዝሓሸ ቅርጺ
ብምትሓዝ ዕውት ስራሕ ክሰርሕ ትጽቢት ዝግበረሉ መራሒ ምኻኑ ካብ
ጸብጻባት ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።