ዓለምለኻዊ ጸረ-ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ጭውያን ደቂ-ሰብ ብዘካየዶ ፍሉይ ስርሒት፡ 219 ገበነኛታት ክኣስር ከሎ፡ 153 ህጻናት
ዝርከብዎም 1374 ግዳያት ከም ዘለለለየ ዓለም-ለኻዊ ትካል ፖሊስ፡ ኢንተርፖል፡ ትማሊ ሰኑይ 25 ሰነ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ
ኣረዲኡ።
እቲ ካብ 3 ክሳዕ 9 ሰነ 2024 ብኣውስትርያ ዝተመርሐ፡ "ዓውለማዊ ሰንሰለት" ዝተሰምየ ስርሒት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንጥፈት ጾታዊ ዓመጽ፡ ምዝመዛን ግዱድ ሽቕለትን ንዝሰርሕ መርበብ ዘይሕጋውያን ጨወይትን ኣስገርትን ንምስባርን ንምቁጽጻርን ዝዓለመ ምንባሩ ሓበሬታ ኢንተርፖል የገንዝብ። ኣብ’ቲ ስርሒት፡ ሩማንያ፡ ዩሮፖል ከምኡ'ውን ክፍሊ ምክትታል ዶባትን ባሕርን ኤውሮጳ ተሳቲፎም። ብተወሳኺ፡ ፖሊስን ኣባላት ምክትታል ዶባት ዝተፈላለያ ሃገራትን ከም ዝተሳተፍዎ ክሕበር ከሎ፡ ብፍላይ ኣብቶም ንትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝጨውዩ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ዘተኮረ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ 276 ጥርጡራት ሓድሽ ናይ መርመራ ፋይል ክኽፈት ከሎ፡ 362 ጥርጡራት ከኣ ኣለልዩ ከም ዘሎ ጸብጻብ ትካል ኢንተርፖል ኣረዲኡ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ገንዘብ ዝርከቦ ሓያሎ ንብረት ገበኛታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝወዓለ ማዕከን ሓበሬታ ኣናዱሉ ኣፍሊጡ።
እዚ ፍጻሜ፡ ዋላ ሓንቲ ሃገር ካብ ገበናት ዘይሕጋውያን ኣስገርትን ጨወይትን ናጻ ከም ዘይኮነት ዘግሃደ ከም ዝነበረ ዝገለጹ
ክኢላታት፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ክትከታተልን ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክትወስድን ጸዊዖም።