ኣብ ምዕራብ ዞባ ቓዛ ሓይልታት እስራኤል ብዘካየድዎ ናይ ኣየር ደብዳብ፡ ሓብቱ ንመራሒ ጉጅለ ሓማስ እስማዒል ሃንያ
እትርከቦም 10 ኣባላት’ቲ ስድራቤት ከም ዝተቐትሉ ኣልጀዚራ ሓቢራ። እቶም ስድራቤት መራሒ ሓማስ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣብ ምዕራብ ዞባ ቓዛ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዘሎ መንበሪ ቤቶም ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ እዮም ተቐቲሎም።

መራሒ ሓማስ፡ እስማዒል ሃንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መኪንኡ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር
ሰለስተ ደቁ ስኢኑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ዛጊት 37,500 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ክግለጽ ከሎ፡ ልዕሊ 86 ሽሕ ድማ ከም ዝቖሰሉ ካብ ናይ ዞባ ቓዛ ሚንስትሪ ጥዕና ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ይኹን እምበር እስራኤልን ሓደ ሓደ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ጉጅለ ሓማስ ኮነ ኢሉ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዝበዝሕዎ ቦታታት ኣጽዋር ከም ዘቐምጥን ካብ መደበር ጥዕናታትን ኣብያተ-ትምህርትን ሮኬታት ክፍኑ ከም ዝጸንሐን ብምኽሳስ፡ እቲ ጉጅለ ንሲቪላውያን ሰባት ከም ዕርዲ ምጥቃም ደው ከብል ከተሓሳስቡ ጸኒሖም’ዮም።