መስራቲ መርበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ፡ ጁልያን ኣሳንጅ፡ ትማሊ ረቡዕ ሰነ 26 2024 ኣብ ደሴት ፓሲፊክ፡ ግዝኣት ኣመሪካ፡ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ ድሕሪ ምፍራዱ ናጻ ከም እተለቀ ማዕከን ዜና ሲ ኤን ኤን ኣፍሊጡ።

ኣሳንጅ ምስ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ብመሰረት ዝኣተዎ ውዕል፡ ንሱ ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ ምሕረት ክሓትት፡ ኣመሪካ ከኣ ነቲ ድሮ ኣብ ማእሰርቲ ዘሕለፎ መዓልታት ፈሪዳ ናጻ ክትለቆ ድሕሪ ምስምማዑ፡ ካብ'ቲ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ቤት-ማእሰርቲ ዓዲ እንግሊዝ ብሰኑይ 24 ሰነ ከም እተፍትሐ ዝዝከር'ዩ።

መስራቲ'ታ ኣብ 2006 ዝቖመት ማዕከን ዜና ዊኪሊክስ፡ ኣሳንጅ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ምስጢራዊ ሰነዳት ዲፕሎማስን
ምክልኻልን ኣመሪካ ድሕሪ ምቅላዑ፡ በቲ ተግባራቱ ንብዙሓት ሰባት ግዳይ ጌሩ ብዝብል ክሲ ተመሓላሊፉ ክወሃባ ኣመሪካ ን12 ዓመታት መመላእታ ክትከራኸር ምጽንሓ ዝፍለጥ'ዩ።

ጁንያን ኣሳንጅ፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ'ቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ኤኳዶር ን7 ዓመታት ድሕሪ ምዕቋቡ፡ ንዝቐጸለ 5 ዓመታት ከኣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምጽንሑ ዝፍለጥ'ዩ።

መንግስቲ ሽወደን እውን ብጾታዊ ዓመጽ ከሲሳቶ ምንባራ፡ እንተዀነ እቲ ክሱስ ካብ ኤምባሲ ኢኳዶር ከይተዋህባ ግዜ ድሕሪ
ምብልዑ ነቲ ክሲ ኣብ 2019 ከም ዘቋረጸቶን ይዝከር።