ብፕረስደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ዝምራሕ መንግስቲ ሶማል፣ ኢትዮጵያ
ናብ ልኡላዊ መሬት ሶማል ብምእታው በይናዊ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ትወስድ
ኣላ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ፣ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ኣፈኛ ወጻኢ ጉዳያታ
ኣምባሳደር ነብዪ ተድላ ነቲ ክሲ መሰረት-ኣልቦ ክትብል ከም ዝነጸገቶ
መደበር ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ፣ ንህላውነት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ሶማል
እኳ እንተዘይ ከሓደ፣ እቶም ወተሃደራት ብተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃን ብስምምዕ
ክልቲአን ሃገራትን ዝኣተዉ ምዃኖምን፣ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገብርዎ ዝነበሩ
ልሙድ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ዝተፈልየ ነገር ከም ዘይገበሩን ገሊጹ።
ኣምባሳዳር ሶማል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቡካር ዳህር ዑስማን ብወገኑ፣
ኣብቲ ብ24 ሰነ 2024 ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት
ሃገራት ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ
መወዳእታ ወርሒ ሰነ ካብታ ሃገር ንኽወጹ ዝተሰማማዓትሎም 4000
ወተሃደራታ ኣብ ግዚኦም ንኸይወጽኡ ዕንቅፋት ትፈጥር ከም ዘላ ብምግላጽ፣
ብሰሪ ኢትዮጵያ ትወስዶ ዘላ በይናዊ ስጉምትን ዘይሕጋዊ ምስጋር ዶብን፣
መንግስቲ ሶማል ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ከካይዶ ሓሲቡ
ዝነበረ መስርሕ ምልውዋጥ ከናውሖ ከም ዝተገደደ ሓቢሩ።
ይኹን እምበር ኣፈኛ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ፣
ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ምስጋር ዶብ ይኹን ምስኡ ዝተሓሓዝ ዝኾነ
ወተሃደራዊ ስርሒት ከም ዘይፈጸሙ ብምሕባር፣ ላዕለዎት ወተሃደራውያን
መራሕቲ ናይቲ ኣብ መሬት ሶማል ዝርከብ ሰራዊት፣ እቶም ወተሃደራት
ካብቲ ቀጻሊ ዘካይድዎ ስሩዕ ወተሃደራዊ ልምምድ ወጻኢ ዘካየድዎ ፍሉይ
ንጥፈታት ከም ዘየለ ከም ዘነጸሩ ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ’ቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረሞ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ኣብ መንጎ መንግስታት
ሶማልያን ኢትዮጵያን ሓያል ወጥርን ምትፍናንን ተኸሲቱ ከም ዘሎ ዝፍለጥ
ኮይኑ፣ እቲ ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ብኣግኡ መዕለቢ ምስ ዘይግበረሉ ኣብ መጻኢ
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣሉታ ክጸሉ ዝኽእል
ዘይተደለየ ግጭት ክፍጠር ተኽእሎታት ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክገልጹ
ጸኒሖም እዮም።