ኣብ ኢራን ንቦታ ናይቲ ዝሓለፈ እዋን ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ዝሞተ ፕረስደንት
ኢብራሂም ራይሲ ንምትካእ ፕረስደንታዊ ምርጫ ከም ዝተጀመረ ተሓቢሩ።

ህዝቢ ኢራን ሓድሽ መራሒኦም ንምምራጽ ኣብ ከተማ ቴህራንን ካልኦት
ከተማታት እታ ሃገርን ናብ ዝርከብ ነቑጣ ምርጫ ብምኻድ ድምጾም ክህቡ
ጀሚሮም ከም ዘለዉ፣ ካብ ሜድያታት እታ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ኢራን ኣርባዕተ ሕጹያት ንውድድር ከም
ዝቐረቡ ክሕበር ከሎ፣ ንሳቶም ከኣ መሓመድ ባቃር-ቃሊባፍ፣ መስዑድ
ጰዘሽክያን፣ ስዒድ ጃሊል ከምኡ’ውን ሙስጣፋ ጶርመሓመዲ እዮም።

ኣሚር ሑሴን ቃዚዛዴህ ከምኡ’ውን ዓሊረዛ ዛካኒ ዝተባህሉ ክልተ ሕጹያት፣
ኣብቲ ናቶም ፖለቲካዊ ደምበ ምምቕቓል ንኸይፍጠር ትማሊ ሓሙስ
ካብቲ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ርእሶም ከም ዘግለሉ ኣሾሸትድ ፕረስ ኣብ
ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ።

ኣብዚ ጊዜዚ ኣብ ኢራን 64 ሚልዮን ሰባት ድምጾም ንምሃብ ብቑዓት ከም
ዝኾኑ ክንገር ከሎ፡ ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ መንእስያት እዮም።