ምስቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ዘሎ ውግእ እስራኤልን ሊባኖሳዊ ጉጅለ ሕዝቡላህን ተተሓሒዙ፣
ሓደ ናይ እስራኤል በዓል ስልጣን፣ እታ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እስራኤል ትርከብ ቴል-ኣቪቭ ንነበርታ ካብታ ከተማ
ንምውጻእ ገና ከምቲ ዝግባእ ከም ዘይተዳለወት ገሊጹ።
እቲ ማታንያሁ ኢንግልማን ዝተባህለ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን፣ እስራኤል ምስ ሓይልታት ሕዝቡላህ ንምውጋእ
ድልውቲ ከም ዘላ ብተደጋጋሚ ትገልጽ ኣብ ዘላትሉ ጊዜ፣ ምግዓዝ ነበርቲ ቴል- ኣቪቭ ኣካል ናይቲ ምድላው ክኸውን
ከም ዘለዎ ንምሕባር እዩ ርእይቶኡ ክህብ ተሰሚዑ።
ይኹን እምበር፡ ምስ ምግዓዝ ነበርቲ ቴል-ኣቪቭ ተኣሳሲሩ ኣብ መንጎ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል
ዮዋቭ ጋላንትን ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ሞሼ ኣርበልን ዘይምስምማዕ ብምፍጣሩ፡ እቲ ነበርቲ
ናይ ምግዕዓዝ መስርሕ ዛጊት ክፍጸም ከም ዘይከኣለ እዩ ዝሕበር። ክልቲኦም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት እስራኤል ኣብ
ጉዳይ “ሓላፍነት ምስካም” ናይቶም ካብ ቴል-ኣቪቭ ዝግዕዙ ነበርቲ ክሰማምዑ ከም ዘይከኣሉ ካብ ማዕከናት ዜና እስራኤል ዝተረኽበ
ሓበሬታ የረድእ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ ማታንያሁ ኢንግልማን፣ መስርሕ ምግዓዝ ነበርቲ ፍልስጤም ብኣግኡ ንኽፍጸም፣ ዝተወሃሃደ መንግስታዊ ስጉምቲ ከም
ዘድሊ ብምግላጽ፡ ናብ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ዝቐንዐ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ንሱ ወሲኹ ብሰሪ ናይ
ክልተ ሰበ-ስልጣን እስራኤል ዘይምስምማዕ፣ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ቴል-ኣቪቭ ዘይተደልየ ሓደጋ ከይወረደ ከሎ ቤ/ጽ ናታንያሁ ጣልቃ ኣትዩ ህጹጽ
ስጉምቲ ዝውሰደሉ መንገዲ ክፈጥር ጸዊዑ።
ብመሰረት ካብ ማዕከናት ዜና እስራኤል ዝተረኽበ ሓበሬታ፣ መንግስቲ እስራኤል
ድሮ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ ከባቢ ዞባ ቓዛን ካብቲ ምስ ሊባኖስ ዝዳወብ ከባቢታት እስራኤልን ኣግዒዙ ኣብ ሆቴላትን
መዕረፊ ኣጋይሽን ከም ዘእተወ እዩ ዝግለጽ።
ቅሉዕ ኲናት እስራኤልን ሓይልታት ሕዝቡላህን ዘይተርፍ ከም ዝኾነ ብሰፊሑ ይግለጽ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣
ኣሜሪካ ትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዜጋታተን ብቕልጡፍ ካብ ሊባኖስ ክወጹ ክጽውዓ ጀሚረን ኣለዋ። እስራኤል ኣብ
ልዕሊ’ቲ ምስ ሓይልታት ሓማስ ተካይዶ ዘላ ግጭት ተወሳኺ ምስቶም ብደረጃ ካብ ሓማስ
ዝዓብዩ ሓይልታት ሕዝቡላህ ኣብ ምሉእ ኲናት ምስ ትኣቱ ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ብኣሉታ ዝጸሉ ኩነታት ከም
ዝፍጠር ዝተፈላለዩ ኣካላት ከጠንቅቑ ይስምዑ ኣለው።