ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ሰሜን ሸዋ፡ ሓይልታት መንግስቲ ብብ26 ሰነ ብዝፈነዉዎ መጥቃዕቲ
ብውሑዱ 15 ሰባት ከምዝሞቱ ቢቢሲ ሓቢሩ።
በዚ ኣብ ወረዳ ጣርማ በር፡ ካብ ከተማ ደብረሲና ቁሩብ ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ ሾላ ሜዳ እትበሃል
ዓዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣርባዕተ ካልኦት ሰባት እውን ቆሲሎም ከምዘለዉ፡ ንነበርቲ’ቲ ከባቢ
ብምጥቃስ ቢቢሲ ኣምሓርኛ ኣፍሊጡ።
ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ዘመናዊ ድዅዒ ንምውሳድ ካብ ዝተፈላለያ ቁሸታት ዝመጹ ሓረስቶት
ምዃኖም ከኣ እቲ ምንጪ ኣረዲኡ።
ቢቢሲ፡ ካብ ኣካላት መንግስቲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ከይጠቐሰ
ኣይሓለፈን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ፡ ወረዳ ዋጫሌ፡ ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ ሸኔ)
ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ሰለስተ ሰባት ከምእተቐትሉን ዓሰርተታት ካልኦት ከምእተጨውዩን ሬድዮ
ዋዜማ ሓቢራ።
እቲ ቅትለት ዘጋጠመ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት ኣውቶቡስ፡ ጃቴ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ምስበጽሐት፡
እቶም ዕጡቓት ደው ከብልዋ ድሕሪ ምፍታኖም እዩ። መራሕ መኪና ክሃድም ድሕሪ ምፍታኑ
ብዝተኸፍተ ተዅሲ ከኣ፡ መራሕ መኪና ተወጊኡ ከምልጥ እንከሎ፡ ኣብታ ኣውቶቡስን ዶልፊን ኣብ
ዝተባህለ ካልእ ንእሽቶ ሚኒባስን ተሳፊሮም ዝነበሩ ሰባት ብምሉኦም በቶም ዕጡቓት ከምእተወስዱ
እታ ሬድዮ ኣነጺራ።