ኣብ መንጎ ሱዳንን ጫድን ዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ እናኸረረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሱዳን
ኣምባሳደራ ካብ ጫድ ከምዝሰሓበት፡ ሱዳን ትሪቢዩን ሓቢሩ።
ኣምባሳደር ዑስማን መሓመድ ዩኑስ፡ ንምቁጽጻር ዶባት ብዝምልከት ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእን
ጫድ ንሓይልታት ፈጣን ደገፍ ትገብሮ ኣላ ብሰንኪ ዝተባህለ ሓገዝን እዩ ናብ ሃገሩ ተጸዊዑ ዘሎ።
ጫድ፡ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ካብ ወጻኢ ንዝረኽብዎ ቀረብ ኣጽዋር ኣብ ጥቓ ዶባት ብዝርከቡ
መስመራት ናብ ኢዶም ከምዝበጽሕ ትገብር ከምዘላ ሱዳን ድሕሪ ምኽሳሳ፡ ዝምድና ክልቲአን
ሃገራት እናሓርፈፈ ክመጽእ ምጽንሑ እቲ ምንጪ ኣረዲኡ።
ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሱዳናዊ በዓል መዚ ንሱዳን ትሪቢዩን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጫድ ንቀረባት
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዶባታ ብምኽፋትን ምንቅስቓስ ኣዛዚ ሓይልታት ፈጣን ደገፍን ዕሱባት
ወጻእተኛታት ዕጡቓቱን ብምስላጥን ነቲ ዕጡቕ ሓይሊ ብንጥፈት ትድግፍ ከምዘላ ከሲሱ። ኩሉ ካብ
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብቲ ዕጡቕ ሓይሊ ዝለኣኽ ኣጽዋር ብጫድ ከምዝኣቱን፡ ሱዳን ነዚ
ሞገት’ዚ ዝድግፍ መርትዖ ከምዘቕረበትን ድማ ኣረጋጊጹ።
ብዘይካ’ዚ፡ ንጸጥታ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ብዝምልከት፡ ሱዳን ንመንግስቲ ጫድ ዝርዝራዊ ጸብጻብ
ብወግዒ ኣቕሪባ ከምዘላ፡ ሱዳን ትሪቢዩን ንዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ይኹን’ምበር፡ ሰበ-ስልጣን ንጃሜና፡ መልሲ ኣብ ክንዲ ምቕራብ ነቲ ጉዳይ ጸማም እዝኒ ስለዝሃብዎ፡
ሱዳን ኣምባሳደራ ካብታ ሃገር ክትስሕብ ከምእተገደደት፡ ኣገዳሲ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር ግን፡
ዝመጽእ ሰሙን ክትመልሶ ከምእትኽእል እቶም ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ኣረዲኦም።