ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸይኽ ማሕሙድ ምስ ኣልሸባብ ንምዝታይ ቅድመ-ኩነታት ከምዘቐመጠ
ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ኣቃሊሐን።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ናይቲ ፕረዚደንት ሑሴን ሸይኽ ዓሊ፡ መንግስቲ ሶማል ክሳብ ሕጂ ምስ
ኣልሸባብ ዝጀመሮ ዘተ ከምዘየለ ብምምልካት፡ ፕረዚደንት ሶማል፡ ምስቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንዝግበር ዘተ
ንጹራት ቅድመ-ኩነታት ኣቐሚጡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣልሸባብ፡ “ምስ ኣልቃዒዳ ዘለዎ ርክብ
እንተቋሪጹ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማል እንተተቐቢሉን ፖለቲካዊ ኣጀንድኡ ብሰላማዊ መንገዲ
ከዐውት እንተወሲኑን” መንግስቲ’ታ ሃገር ምስቲ ዕጡቕ ጉጅለ ክዛተ ከምዝኽእል ድማ ኣነጺሩ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኖርወይ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ
ዝፈጸመሉ ግዜ፡ መንግስቱ ምስ ኣልሸባብ ንምዝታይ ቅሩብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ሻቡ፡ እቲ
ፕረዚደንት፡ መኸተምታ ናይዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ዘተን ምይይጣትን ዝሓወሰ ክኸውን ልዑል
ተኽእሎ ኣሎ” ክብል፡ እቲ ጸገም ብሓይሊ ጥራይ ክፍታሕ ከምዘይክእል ኣሚቱ ነይሩ።
ገለ ተንተንቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እዚ መንግስቲ ሶማል ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ፡ ብኣልሸባብ ኣንጸላልዩ ንዘሎ
ስግኣት ንምፍታሕ ስትራተጂካዊ ኣገባብ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ይገልጹ።