ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንግፒንግ፡ ገዛኢ ኮሙኒስት ፓርቲ ቻይና፥ ዓቢይ ጽገናዊ ለውጢ ክገብር ከም ዝመደበ ዓርቢ ዕለት 28 ሰነ 2024፥ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ሺ፡ነዚ ሓሳብ ዝሃበ፡ ቅድሚ`ቲ ዝሸባሸብ ዘሎ ጉባኤ ኮይኑ፣ኣብቲ ዝካየድ ኣኼባ፡ሕውየት ቁጠባ ዝብል ዛዕባ ዓቢይ ኣጀንዳ ከም ዝሕዝ ተንተንቲ ፖለቲካ የገንዝቡ።
ሓገግቲ ኣካላት ቻይና፡ድሕሪ`ቲ ኣብ ዓመተ 2022 ዘብቅዐ ጽኑዕ ገደብ ተላባዒ ሕማም ኮሮና፡ ንቁጠባ ሃገሮም ዳግም ከበራብርዎ ይቃለሱ ከም ዘሎዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
ቻይና፡ኣብ ዓለም እታ ካልአይቲ ዝዓበየት ቁጠባ ትውንን ሃገር፡ኣብ ብመዳይ ሕጽረት ኣባይትን ሸቕለት ኣልቦነት መንእሰያትን ግና ገና ከም ዘይሓወየት`ዩ ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ የመልክት።