
ፕረስደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ትማሊ ሰንበት 30 ሰነ ነቲ ኣብ
2013 ኣብታ ሃገር ዝተፈጸመ ለውጥን መስርሕ ምእላይ ናይ ሽዑ ፕረስደንት
መሓመድ ሙርስን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብዚ እስራኤል ኣብ
ልዕሊ ዞባ ቓዛ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ተካይደሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ዞባ ማእከላይ
ምብራቕ ቅልጡፍን ዕቱብን ለውጥታት ይርአ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኣልሲሲ ኣብ መግለጺኡ፡ ብሰሪ እስራኤል ምስ ሓማስ ተካይዶ ዘላ ኲናት፡
ፍልስጤማውያን ተገዲዶም ናብ መሬት ግብጺ ንኽኣትዉ ብመደብ ይስርሓሉ
ከም ዘሎ ኣብሪሁ።
ኣብ ጉዳይ ኲናት ዞባ ቓዛ ናይ ብዙሓት ደቂ-ሰባት ሕልና ከም ዝሞተ ዝገለጸ
ፕረስደንት ኣል ሲሲ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዓሰርታት ኣሽሓት ሰባት ግዳይ
ሞትን ምምዝባልን እናኾኑ እንከለው ስቅ ክብልን ገጹ ክኽውልን ምምራጹ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ከም ዝኾነ
ተዛሪቡ።
ኣብዚ ሻምናይ ወርሑ ደፊኑ ዘሎ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዞባ ቓዛ ዛጊት
37.800 ፍልስጤማውያን ክቕተሉ እንከለው፡ ኣስታት 87 ሽሕ ድማ ከም
ዝቖሰሉ እዩ ዝሕበር።