ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ብሰሪ
ድኹም ጸጥታዊ ኩነታት ብዙሕ ገበናት ክፍጸም ከም ዝጸንሐ ኣብ ትግራይ
ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኣካላት ክገልጹ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ናይ
ከተማ መቐለ ፖሊስ ኮሚሽነር ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ
ዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ ጥራይ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ 53 ደቂ-ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ከም
ዝተፈጸመ ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስ ኮሚሽነር ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ
ኣዋርሕ፣ 20 ናይ ቅትለት ገበን፣ 178 ፈተነ ቅትለት፣ 10 መጭወይቲ ቆልዑ፤
4,340 ዝተፈላለዩ ዓበይትን ንኣሽቱን ገበናት፣ 1953 ገበናት ስርቂ፣ 49
ዝተወደበ ዝምታ ንብረታት ከምኡ’ውን 583 ኣካላዊ ጥቕዓት ከም ዝተፈጸመ
ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርአ ዘሎ ኣሰካፊ
ተርእዮታት ገበን ብዝምልከቶ ኣካል ህጹጽ ስጉምቲ እንተዘይ ተወሲድሉ ኣብ
ቀጻሊ ህዝቢ ከተማ መቐለ ብሰላም ወጺኡ ብሰላም ዝምለስሉ ኩነታት ክህሉ
ከም ዘይኮነ ወኪል ትካል ኤሪሳት ዘዛራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።