_cuva

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ቶማስ ፔሪሎ፡ ምስ ፕረስደንት ዩጋንዳ
ዩዌሪ ሙሴቪኒ ተራኺቡ ብዛዕባ ንኽልቲኦም ዘገድሱ ዞባውያን ጉዳያት
ከም ዝተመያየጠ ሱዳን ትሪብዩን ሓቢሩ። እዋናዊ ጉዳይ ሱዳንን
ብመሪሕነት ሙሰቬኒ ዝግበር ዘሎ ተበግሶ ሰላም ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን
ድማ ገለ ካብቲ ዝተዘራረብሉ ዛዕባ ነይሩ።

ናይዚ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ዞባ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብዝተዋጽኡ መራሕቲ ሃገር
ዝቖመ ብፕረስደንት ዩዌሪ ሙሶቪኒ ዝምራሕ ኮሚተ ቀንዲ ዕላማን
ዕማምን ንመራሕቲ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ወሃብ ፈጣን ደገፍን ገጽ ንገጽ
ኣራኺብካ ዝርርብ ሰላም ዝካየደሉ ኵነታት ምፍጣር ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

ብመሰረት እዚ ኣፍሪቃዊ ኮሚተ ዘቕርቦ ዘሎ ጻውዒት፣ ኣቦ መንበር
ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ኣል-ቡርሃንን መራሒ ሓይልታት ወሃብ ፈጣን
ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕብረት ኣፍሪቃን
ኢጋድን ብዘይ ዝኾነ ምድንጓይ ቀጥታዊ ርክብ ከካይዱ ትጽቢት ይግበር።

ኣቐዲሙ ብስዑዲ ዓረብ፡ ኣሜሪካን ኢጋድን ዝምራሕ ኮሚተ ተመሳሳሊ
ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ንምፍጣር ጻዕርታት ጌሩ ከም ዝነበረን፡ ብሰሪ
መራሕቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢጋድ ዘቕረብዎ ክሲ እቲ ኣብ ጅዳ ተጀሚሩ
ዝነበረ ርክባት ከም ዝተዓናቐፈን ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣናዶሉ፡ እዚ ብኣላይነት ቤ/ጽ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ብሓድሽ መልክዕ ዝቖመ
ኮሚተ፡ ኣብ ዝመጽእ 10 ክሳብ 15 ሓምለ 2024 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ
ንዅሎም ተጻባእቲ ኣካላት ዘሳትፍ መኣዲ ዘተ ከካይድ መዲቡ ከም ዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።