ዕጡቓት ሓይልታት የመን፡ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ምስ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን እስራኤልን ርክብ ኣለወን ዝበለን መራኽብ ብሚሳይላት ሓድሽ ስርሒት ከም ዘካየደ ማዕከን ዜና ኢርና ካብ ቴህራን ጸብጺባ።
ማዕከን ዜና ሩስያ ታሳ ብምዉሳክ፡ንወሃቢ ቃል ሰራዊት የመን ያህያ ሳሪ ብምጥቃስ፡ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡እቲ ዝተወስደ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ መርከብ ኮንተይነረሰ ኤምኤስከመ ዩኒፊክ ኣርባዕተ (4)፡ክልተ ታንከራት ነዳደመ ደሎኒክስን ላኪ ሲልቨርን፡ ከምኡ’ዉን ሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ኣንቪል ፖይንት ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ።
ሳሪ ወሲኹ፡ዕጡቓት ሓይልታት የመን ነተን መራኽብ ንምህራም ክሩዝ ሚሳይላት ከም ዝተጠቀሙ ኣረጋጊጹ።
ሰራዊት የመን፡ነቲ ኣብ ምድረ-በዳ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ተቓዉሞ ፍልስጤማዉያን ንምድጋፍ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ባብ ኤል-ማንደብን ኣብ ልዕሊ መራኽብ እስራኤልን መሻርክታን ርክብ ኣለወን ንዝብለን መራኽብ መጥቃዕቲ ኣናወሰደ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።
ሰራዊት የመን፡እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ክሳዕ ዘየቛረጸቶ፡ እቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ክቕጽለሉ ምኳኑ ኣጠንቂቑ።
ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ዝካየድ መጥቃዕቲ ኣሐይሉ ክቕጽለሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ።