“ሃገራዊ ወኪል ቤት ምኽሪ ኤርትራ” ብዝብል ውዳበ ዝፍለጡ፡ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ
ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ዘቖምዎ “መንግስቲ ኣብ ስደት”፡ ናይ ጉትጎታን ጎስጓስን ስርሓቱ ዘሳልጠሉ፡
“ሞርጋን ግሎባል ስትራተጂስ” ዝተባህለ ኣመሪካዊ ናይ ሕጊ ትካል ብኮንትራት ከምዝቖጸረ ካብ
ሚኒስትሪ ፍትሒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
እቲ ትካል፡ ካብ ሰልፊ ዴሞክራት ተወኪሉ ካብ 1991 ክሳብ 2015 ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ብዝነበረ ጂም
ሞርጋን ኣብ 2023 ዝቖመ፡ ሕጋዊ ናይ ጉትጎታን ጎስጓስን ውክልና ዝወስድ ኮይኑ፡ ምክትል
ፕረዚደንቱ ኤልያስ ጀራሱሊስ ምዝጉብ ወኪል ናይቲ ኤርትራዊ “መንግስቲ ኣብ ስደት” ኮይኑ
ተመዚዙ ኣሎ።
ብመሰረት’ቲ ወጺኡ ዘሎ ሓበሬታ፡ እቲ ኣመሪካዊ ትካል በቲ ብኣቶ ገብረ ባህዱራይ ዝምእከል ”ሃገራዊ
ወኪል ቤት ምኽሪ ኤርትራ – መንግስቲ ኣብ ስደት” ካብ 15 ሰነ ዝጀመረ ኣብ ወርሒ 5,000 ዶላር
ኣመሪካ እናተኸፍሎ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ክጉስጉስ፡ ክጉትጉትን ኣብ መንግስቲ
ኣመሪካ ጽልዋ ከሕድርን ናይ ሓደ ዓመት ኮንትራት ወሲዱ ኣሎ።
ካብ 1981 ጀሚሩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተቐመጠ ኣቶ ገብረ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዝርከብ
መንግስቱ ኣብ 2022 እዩ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒን ክፍሊ ሃገራዊ ጸጥታን ኣመሪካ ብወግዒ
ኣመዝጊብዎ። ኤልያስ ጀራሱሊስ ብዛዕብኡ ክዛረብ እንከሎ፡ “ኣብ ኣመሪካ ዝነበሮ ሕልሚ ዝጨበጠ
ሰብ እዩ፣ ነዚ ዝተጨበጠ ሕልሚ ድማ ንሃገሩ ክህባ ይደሊ ኣሎ፣ ሃገሩ ካብ ምልኪ ሓራ ክገብራ ይደሊ
ኣሎ” ይብል እሞ፡ “ጉዳይ ኤርትራ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ጥራይ ኣይኮነን፣ የግዳስ፡ እንተላይ ጉዳይ
ሃገራዊ ረብሓ ኣመሪካ ደኣ። ንሕና ከኣ ነዚ መልእኽቲ’ዚ ናብ ኩሉ ከምዝበጽሕ ንምግባር ምስኡ
ብቐረባ ክንሰርሕ ኢና” ይብል። ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ፡
ንኣመሪካ ብጂኦ-ስትራተጂ ኣገዳሲት ምዃና ብምስማር ከኣ፡ ሻራ ኣመሪካ ዝኾነ ምምሕዳር ክህልዋ
ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ኣነጺሩ።
“ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ መላኽን ጨቋንን ጥራይ ኣይኮነን፣ ምስ ሩስያውያንን ቻይናውያንን
ኮሸምሸም እናበለ ኣንጻር ረብሓ ኣመሪካ ብንጥፈት ዝሰርሕ ዘሎ ሰብ እዩ” ዝበለ እቲ ምክትል
ፕረዚደንት ናይቲ ኣመሪካዊ ትካል፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ትካሎም ስርዓት ንምቕያር ዘይኮነ፡ እቲ ውልቀ
መላኺ ዝእለየሉ መንገዲ ንምጽራግ ከምዝሰርሕ ኣሚቱ። ኣብ ጋቦን፡ ነቕ ዘይብል ዝመስል ዝነበረ
መራሒ ኣብ ውሽጢ ሓደ ለይቲ ክምብል ከምዝበለ ድማ ብኣብነት ጠቒሱ። “ሓደ ሰብ፡ ሓደ መዓልቲ
ፍጹም ዘይሰዓር ክመስል ይኽእል እዩ፣ ንጽባሒቱ ግን ፍጹም ተሳዓራይ እዩ” ዝበለ ኤልያስ ጀራሱሊስ፡
“ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያውያን መራሕቲ ንምልምል ከምዘለና ርግጸኛታት ክንከውን ኣለና፣
ምኽንያቱ፡ ዘምርግጋእ ኣብ ዝመጻሉ እዋን፡ ኣብ ክንዲ ዕግርግር ወይ ውድቀት ሃገር፡ ካልኦት
ኣማራጺታት መታን ክህልዉና።”