መንግስቲ ቱርኪ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ብዘተ ንምፍታሕ ብዝወሰዶ ናይ
መንጎኝነት ተበግሶ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት ኣንካራ ምእታዎም፡ ኣህጉራውያን
ማዕከናት ዜና የቃልሓ ኣለዋ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣሕመድ ሙዓሊም ፊቂን ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ኣምባሳደር ታዬ
ኣጽቀስላሴን ትማሊ’ዮም ኣብ ርእሰ-ከተማ ቱርኪ ኣትዮም።
ኣብቲ 01 ሓምለ ዝካየድ ዘተ ሰላም፡ ልኡኻት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣፍደገ ባሕርን ካልኦት
ጉዳያትን ኣተኲሮም ከምዝመያየጡ ቢቢሲ ሶማልኛ ሓቢሩ።
እዚ ብቐንዱ ኣብቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶን ንሶማል ኣዝዩ ዘቖጠዐን ናይ ኣፍደገ
ባሕሪ ስምምዕ ከምዝተኩር ዝተገልጸ ዘተ ን30 ሰነ እኳ ተመዲቡ እንተነበረ፡ ዛጊት
ብዘይተነጸረ ምኽንያት ግን ንሎሚ ከምእተሰጋገረ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ዘተ፡ ኢትዮጵያ ንቱርኪ ምስ ሶማል ከተዛትያ ድሕሪ ምሕታታን ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ሶማል ጸቕጢ
ድሕሪ ምግባራን ዝመጸ ምዃኑ ድምጺ ኣመሪካ ንሓደ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ቅርበት
ዘለዎ ምንጪ ብምጥቃስ ኣረዲኡ።
መንግስቲ ሶማል ኣብቲ ዘተ ናይ መትከል ይኹን ናይ ሓሳብ ለውጢ ከምዘይገብር ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ
ኣሎ። ይኹን’ምበር፡ ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ውዕል እንተስሒባቶ፡ መንግስቲ
ሶማል ንወደብ ሆብዮ ክትጥቀም ከፍቅደላ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
ኣቐዲሙ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ ክልቲኦም ወገናት ንምቅርራብ ተፈቲኑ ምንባሩ ዝገለጸ
ድምጺ ኣመሪካ፡ ልኡኻት ኢትዮጵያን ሶማልን ገጽ ንገጽ ኮፍ ኢሎም ክዛተዩ ከምዘይከኣሉን እቲ ናይ
ዕርቂ ውጥን ከምዘይተዓወተን ኣዘኻኺሩ።