ሶማላዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ብዜጋታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝቖመ ብርጌድ ከምዝወደበን
ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝኾነ ይኹን ካልእ እዋን ንላዕሊ ዝለዓለ ስግኣት ፈጢርሉ ምህላዉን፡ ካብ
ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝረኸቦ ምስጢራዊ ሰነድ ብምጥቃስ፡ ጋዜጣ ዘ ኢስት ኣፍርካን ኣቃሊዑ።
እዚ “ሙሃጂሪን” ዝብል ስም ተጠሚቑ ዘሎ ብርጌድ፡ መብዛሕትኦም ተዋጋእቱ ኢትዮጵያውያን፡
ኬንያውያንን ታንዛናውያንን ክኾኑ እንከለዉ፡ ናይ ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳን ብሩንዲን ዜጋታት እውን
ከምዝርከብዎም እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ።
ንብርጌድ ሙሃጂሪን ዝመርሕ ኬንያዊ ኣባል ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሚስጢራዊ ሰነድ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣልሸባብ ብብዙሕ መዳያት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ
ከምዝመጸ እውን ዘነጸረ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣልሸባብ ካብ ሶማል ሓሊፉ፡ ኣብ ኬንያ፡ ኡጋንዳን ሶማልን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ከምዘካይድን
ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ከምዘውርድን ይፍለጥ።