እቲ ብተበግሶን ኣላይነትን መንግስቲ ቱርኪ ትማሊ 01 ሓምለ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ
ከተማ ኣንካራ ዝተኻየደ ዘተ ብዘይስምምዕ ከምእተዛዘመ፡ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ
ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብዚ ብቐንዱ ኣብቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶን ንሶማል ኣዝዩ ዘቖጠዐን ናይ
ኣፍደገ ባሕሪ ስምምዕ ኣተኲሩ ዝተኻየደ ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ “ቅኑዕ፡ ልባውን ንቕድሚት
ዝጠመተን” ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ ከምዝገበሩ’ኳ እንተተገለጸ፡ እቶም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣሕመድ ሙዓሊም ፊቂን ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ኣምባሳደር ታዬ
ኣጽቀስላሴን ግን ገጽ ንገጽ ከምዘይተራኸቡ’ዮም እቶም ጸብጻባት ዘረድኡ።
ክልቲኦም ወገናት ን02 መስከረም 2024 ካልኣይ ዙርያ ዘተ ኣብ ኣንካራ ከካዪዱ ከምእተሰማምዑ
ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ኣፍሊጡ ኣሎ።