ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝፈረመቶ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ስምምዕ ዝምድንአን እናሓርፈፈ
ክመጽእ ዝጸንሐ ጂቡትን ሶማሊላንድን፡ ነቲ ምፍጣጥ ዝያዳ ዘኽርር ሓድሕዳዊ ምውንጃል ጀሚረን።
ጂቡቲ ኣብ ሶማሊላንድ ግጭት ንኽናኸስ ትሰርሕ ከምዘላ ብሶማሊላንድ ንዝቐረበላ ክሲ፡ “ሓሶትን
መሰረት ዘይብሉን ጠቐነ” ክትብል ነጺጋቶ።
ጂቡቲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይ ጎረባብታ ጣልቃ ከምዘይትኣቱ ዝገለጹ ሰበስልጣን ናይታ ሃገር፡
ሶማሊላንድ’ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጂቡቲ ከይትኣቱ ኣጠንቂቖም።
ጂቡቲ ነዚ መልሲ’ዚ ዝሃበት፡ “ካብ ሶማሊላንድ ክንንጸል ኢና ንዝብሉ ናይ ዞባ ኣውዳል ተቓወምቲ
ፖለቲከኛታት ተእንግድ ኣላ” ብምባል ሶማሊላንድ ድሕሪ ምኽሳሳ እዩ።