ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ነቶም ካብ፡ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ሃዲሞም ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ዘሎዉ ሱዳናውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዘሎዎ ድውልነት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ።
 እቲ ኤምባሲ፡ነቶም መመልእታ ሓደ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ግዳይ ዝተፈላለዩ መጥቃዕታት ዝኾኑ ዘለዉ ሱዳናውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝከኣሎ ዘበለ ክገብር ምዃኑ፡ ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ መራኽቦኡ ኣመልኪቱ።
መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ነቶም ስደተኛታት ብጉዳያት ተመልስቲን ስደተኛታትን ኢትዮጵያን ናብ ዝሓሸ ዝበሎ ቦታ ምዕራብ ጎንደር ንምጒዕዓዞም ዝተገብረ ስጕምቲ ብምንኣድ፥ ነቲ መደብ ንምዕዋት ገንዘባውን ካልእ ዓይነት ሓገዛትን ክገብር ምኳኑ ድሉውነት ገሊጹ ይርከብ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ተዓቚቦም ዝርከቡ ሱዳናውያን ስደተኛታት ካብ ዕጡቓት እቲ ከባቢ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ወሪዱና ኢሎም ካብቲ መዓሰከር ወጺኦም ኣብ ኣፍ-ደገ ጽርግያታት ክነብሩ ምጽንሖም ጸብጻባት የረድኡ እዮም።
እቶም ስደተኛታት ብወገኖም፡ትካል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ውሑስ ዝብሃል ሳልሳይ ሃገር ክወስዶም ይጠልቡ ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሎሚ ዕለት 3 ሓምለ 2024 ብኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ከተማ፡ኣዲስ ኣበባ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ንሱዳናውያን ስደተኛታት ተስፋ ሂብዎም ከም ዘሎ ኤሪሳት ዘዛራረበቶም ገለ ገለ ስደተኛታት የረድእ።
ዶ/ር ኦማርን ዶ/ር ሰልዋን ዝተብሃሉ ስደተኛታት እዚ ብኤምባሲ ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ከም ዘሐጎሶም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ የገንዝብ።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ሱዳናውያን ስደተኛታት ይነብሩ ከም ዘሎዉ ነበርቲ እታ ከተማ ዝህብዎ ሓበሬታ የመልክት።