ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ቀጻሊ ምክትታል ከረጋግጽን
መዝነት ፍሉይ ራፖርተር ከናውሕን፡ ዳይረክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጀነባ ሂላሪ ፓወር ጸዊዓ።
ንሳ፡ ነቲ ፍሉይ ራፖርተር ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዶክተር መሓመድ ዓብደልሰላም
ባቢከር ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር
ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ ኣብታ ሃገር ብኢደ
ዋኒንካ ዜጋታት ምሕያር፡ ቅትለትን ምስዋርን ዝርከብዎ ከቢድ ምግሃስ መሰል ሰባት ከም ቀደሙ
ይቕጽል ምህላዉ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጻ።
ኤርትራ፡ ናጻ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክኢላ ናብታ ሃገር ከይኣቱ ፍጹም ዝኸልከለትን
ብክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝቐረበ ለበዋታትን ሻቕሎትን ዕሽሽ ዝበለትን ሃገር ምዃና
ዝጠቐሰት ሂላሪ ፓወር፡ መንግስቲ ኤርትራ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እሱራት
ክፈትሕን መሰል ሰባት ከኽብርን ንልዕሊ 20 ዓመታት ክቐርበሉ ንዝጸንሐ ጻውዒት እውን ብቐጻሊ
ጸማም እዝኒ ከምዝሃቦ ኣነጺራ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩሉ መሰላት ደቂ ሰባት ዝተጋህሰሉ ኩነታት፡ ኣህጉራዊ ጽምዶን ደገፍ
ንኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሕጂ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣኽሪራ
ብምትሕስሳብ ከኣ፡ ኣድላይነት ምቕጻል ፍሉይ ራፖርተር ኣብ ሕቶ ክኣቱ ከምዘይብሉ ተማሕጺና።
ክንዲ ዝኾነ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ዘለወን ሃገራት፡
ዝመጽእ ሰሙን መዝነት ፍሉይ ራፖርተር ንክናዋሕ ካብ ሲቪላዊ ማሕበረሰባት ንዝቐርበለን ናይ
ደገፍ ሕቶ ብኣዎንታ ክምልሳ ጸዊዓ። ካብ ሩስያ፡ ኢራንን ካልኦት ንባዕላተን መሰል ሰባት ዝግህሳ
ሃገራትን ንዝቐርብ ተጻራሪ መጎት መኪተን፡ ምስ ግዳያት ግህሰት መሰልን ምስቶም ተባዓት
ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰል ሰባትን ደው ክብላ ድማ ሓቲታ ኣላ።