ኣብ ቀዳማይ ዙር ምርጫ ፈረንሳ ልዑል ድምጺ ዝረኸበ ዓቃባዊ ሰልፊ ሃገራዊ ሳግም ኣብ ምርጫ እንተተዓዊቱ
170 መሳጊድ ከም ዝዓጹ ኣፍሊጡ!!

ከም ሳዕቤኑ፡ ኣብ ፈረንሳ ዝነብሩ ማሕበረ-ሰብ ምስልምና እቲ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ዝወዳደር ዘሎ
ዓቃባዊ ሰልፊ ሃገራዊ ሳግም ንኸይዕወት ስግኣት ሓዲርዎም ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 9 ሰነ 2024 ፕረስደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ዝበተኖ ሃገራዊ ጉባኤ ወይ ታሕተዋይ
ባይቶ ፈረንሳ ተኸቲሉ፣ ኣብ 30 ሰነ 2024 ናይ መጀመርታ ደረጃ ምርጫ ክሰላሰል ከም ዝጀመረን ዓቃባዊ ሰልፊ
ሃገራዊ ሳግም ወይ National Rally ዝለዓለ ድምጺ ምርካብ ከም ዝጀመረን ካብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና
ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ሃገራዊ ሳግም፣ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ነቲ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ዝኾና ደቀንስትዮ ዝለብስኦ
መዐመምያ፡ ማለት መጎልበብ፡ ብሕጊ ክኽልከል ከምኡ’ውን ምስ ሃይማኖታዊ ስርዓት ምስልምና ዝኸይድ
ማሕረዲ እንስሳታት ደው ክብልን ክጽውዕ ዝጸንሐ ዓቃባዊ ሰልፊ ከም ዝኾነ’ዩ ብሰፊሑ ዝፍለጥ።

በዚ መሰረት፣ ወከልቲ ማሕበረ-ሰብ ምስልምና፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝርከብ ዝዓበየ መስጊድ ብፍሉይ
ተኣኪቦም ዋዕላ ኣብ ዝገበርሉ ኣጋጣሚ፣ እቲ ልዑል ናይ ምዕዋት ተኽእሎታት ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ዘሎ ዓቃባዊ
ሰልፊ ኣብ ምርጫ እንተተዓዊቱ፣ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ናይ እምነት ናጽነቶምን ሃይማኖታዊ ልምምዳቶምን ኣብ
ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኾነን ኣብ ፈረንሳ ድማ ከም ካልኣይ ዜጋ ክቝጸሩ ከም ዝኽእሉን ብምግላጽ ስግኣታቶም ክገልጹ
ከም ዝተሰምዑ ኣናዱሉ ኤጀንሲ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ቀጽሪ መስጊድ ዝተኻየደ ዋዕላ ዝተሳተፈት ቫኔሳ ዝተባህለት መምህር እስላማዊ – ስነ-ፍልጠት፣ ንኣናዱሉ
ኤጄንሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ህዝቢ ፈረንሳ ከየስተውዓለ ሃገራዊ-ሰልፊ-

ሳግም ጉሉሕ ዝኾነ ዕብየትን ተቐባልነትን ከምጽእ ከም ዝጸንሐ ገሊጻ።

ንሳ ወሲኻ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ሳግም ኣብ ምርጫ እንተደኣ ተዓዊቱ፡ ኣስታት 170 መሳጊድ ብምዕጻው፣ ልምዳዊ ናይ
ደቀ-ኣንስትዮ መዓመምያን ማሕረዲ-እንስሳታትን ብምእጋድ፡ ሱር-በተኻዊ ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ብወግዒ
ከም ዝገለጹ ብምሕባር ኩሎም ኣመንቲ ምስልምና ፈረንሳውያን ኣንጻር ሃገራዊ ሰልፊ ሳግም ወይ National
Rally ደው ክብሉ ጸዊዓ።