ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ናይታ ግዝኣት
ሶማል ዝኾነት ርእሰ-ምምሕዳር ፑንትላንድ ከምዝበጽሓ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ገሊጸን።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ነተን መራኽብ ዝለኣኸ፡ መጥቃዕቲታት ሸፋቱ ብሕሪ (ቀርሰንቲ)ን ኣብ ባሕሪ
ዝፍጸም ሽበራን ንምክልኻል፡ ከምኡ’ውን፡ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ፡ ንግድ ኣጽዋርን ሓሽሽን
ንምቁጽጻር ምዃኑ’ዩ ተነጊሩ ዘሎ።
የመናዊ ዕጡቕ ሓይሊ ሑቲ፡ ዘመናዊ ኣጽዋርን ናይ ቴክኖሎጂ ውግእ ሰብ ሞያን ብማያዊ ዶባት
ሶማል ኣቢሉ ንኣልሸባብ ከምዝልእኽ ብሰፊሑ ክግለጽ ከምዝጸንሐ ይዝከር።