ንድንገታዊ ሞት ፕረስደንት ኢራን ነበር ኢብራሂም ራይሲ ተኸቲሉ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ተወዳደርቲ ሕጹያት ፕረስደንታዊ ምርጫ ክካየድ ከም ዝቐነየ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዙሕ ዘይተዘርበሉን ብብዙሓት ኣብ ግምት ዘይኣተወን መስዑድ ጴዝሽክያን ሓድሽ ፕረስደንት ኢራን ኮይኑ ከም ዝተመርጸ ተሓቢሩ።
መስዑድ ጴዝሽክያን፡ ንቐንዲ መቐናቕንቱ ሳዒድ ጃሊል ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዙር ምርጫ ብምስዓር’ዩ ሓድሽ ፕረስደንት ኢራን ኰይኑ ተመሪጹ ዘሎ።
ብመሰረት ንፖለቲካ ኢራን ቅርበት ዘለዎም ሓደ ሓደ ተንተንቲ፡ ፕረስደንት መስዑድ ጴዝሽክያን ብብዙሓት ዓበይትን ሓያላትን ሃገራት ዝሓሸ ተስፋ ዝተነብረሉ ልኡም ፖለቲከኛ ኰይኑ፡ ነቲ ንኢራን ምስ ሃገራት ምዕራብ ዘሰሓሕባ ጉዳይ ምምዕባል ኑክሌር ብሰላማዊ መንገዲ ክሕዞ ዓቕሚ ከም ዘለዎ እዩ ዝንገር።