ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ኣሕመድ ዓሊ ኢብሬ፡ 05 ሓምለ
ብጥይት ከምእተቐትለ፡ ንምምሕዳር ናይቲ ዞባ ብምጥቃስ ሬድዮ ዋዜማ ሓቢራ።
እቶ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ከተማ ከሚሴ ኣብ ዝርከብ መስጊድ፡ ናይ ዓርቢ ስግደት ፈጺሙ ኣብ
ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን ብዝተተኮሰሉ ጥይት ድሕሪ ምውዳቑ፡ ናብ ሕክምና’ኳ እንተተወስደ፡
ብህይወት ክተርፍ ግን ከምዘይከኣለ እታ ሬድዮ ኣፍሊጣ።
ምምሕዳር ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ፡ ነቲ ቅትለት ዝፈጸሙ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ምዃኖም ከሲሱ ኣሎ።