እቲ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣብቲ ንተግባራውነት ስምምዕ ምቁራጽ
ተጻብኦታት ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝግምግም ካልኣይ ኣኼባ
ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከምዝሳተፍ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓቢሩ ኣሎ።
ብቐንዱ ግን፡ ኣምባሳደር ሃመር፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዘሎ ግጭታት ብዝርርብ
ዝፍትሓሉ መንገዲ ንምንዳይ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዘራረብ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ
ዘሎ።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ንክሰፍን፡ ንመንግስቲ
ኢትዮጵያን ንግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይን ክትደጋገፍ ምዃና፣ ናይ ቀደም ተዋጋእቲ ዕጥቆም
ንምፍታሕ፡ ናብ ሕብረትሰብ ዳግም ንምውህሃድን እግሪ ንምትካሎምን ሓገዝ ክትገብር ምዃና፣
ከምኡ’ውን፡ ናይ መሰጋገሪ እዋን ፍትሕን ተሓታትነትን ንክሰፍንን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም
ክምለሱን ድጋፍ ክትገብር ምዃና ኣፍሊጡ።