መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ፡ ህጻናትን ደቀንስትዮን ዝርከብኦም 218 ኣመንቲ
ክርስትና ከምዝኣሰረ፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ “ሪሊስ ኢንተርናሽናል” ዝተባህለ ውድብ ሓቢሩ።
ምስ’ዞም ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝተኣስሩ ኣመንቲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ናብ ፍርዲ ከየቕረበ ናይ
ዝኣሰሮም ኣመንቲ ክርስትና ቁጽሪ 400 ከምዝበጽሐ ዘመልከተ እቲ ንምእመናን ክርስትና ዝጣበቕ
ውድብ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ግንቦት ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ 110 ኣመንቲ ክርስትና
ከምእተኣስሩ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣፍልጦ ዝሃቦም እምነታት፡ ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራንን እስላምን
ጥራይ ክኾኑ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም እዞም ግዳያት ማሕዩር ዝኾኑ ኣመንቲ፡ ፕሮተስታንትን
መሰኻኽር ዮህቫን ምዃኖም እዩ ዝግለጽ።
ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት እውን፡ ኤርትራ ናይ እምነት ናጽነት ከምእትግህስ ብተደጋጋሚ
ገሊጹ እዩ።