ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን፡ ኣብታ ብዕድመ ዝነኣሰት ሃገር ዓለም ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋጽ ርኡይ ምዕባለ
ከም ዝተራእየ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብ ጁባ ዝዘርግሓኦ ሓበሬታ የመላክት።
ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ደቡብ- ሱዳን ሳልቫ-ኪርን፡ሓላፊ ልኡኽ ልዝብ ሰላም ናይሮቢን ኣልቢኖ-ማቶም፡ምስ ተቓወምቲ ጉጅለታት፡ኣብ ገለ ኣገደስቲ ምዕራፋት ኣብ ጽቡቕ ምርድዳእ ከም ዝበጽሑ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ልዑል እምነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ማቶም፡ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ- ሱዳን ጁባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡”ኣብ ናይሮቢ ምስ ተቓወምቲ ዝተሰማማዕናሉ፡ ንባዕሉ ፕሮቶኮል ዝኮነ ምትእምማን ዝፈጥር ኩነታት እዩ ድሕሪ ምባል ኣብ ቁጠባን ምሕደራን ብምምሕያሽ ተሓታትነት ክህልወና ዝገብር እዩ ክብል ተሰሚዑ።
ብምዉሳኽ ማቶም፡ ዝተሰማምዕሉ ካልኦት ዛዕባታት ከኣ ጽገናታት ኣብያተ ፍርዲ፡ መሰጋገሪ ፍትሕን ተሓታትነትን፡ ቀዋሚ ምቁራጽ ተኹሲ፥ ምድላዉ ጸጥታን ጽገናን ዘሓወሰ ምዃኑ ገሊጹ።
ህዝቢ ደቡብ ሱዳን፡ንነዊሕ እዋን ተሳቒዩ ከም ዝጸንሐን ከም’ኡ ስለ ዝኾነ ድማ ፕረዚደንት ሳልቫኪር፡ነቲ ናይ ናይሮቢ ዝርርብ ዘበገሶ ጻዕሪ ነባሪ ሰላምን ዳገመ ህንጸትን እታ ሃገር ንምቅልጣፍ ከም ዝሕግዝ ተኣሚንሉ ኣሎ።
ሚኒስተር ዜናን ኣባል ጉጅለ ድርድርን ሚካኤል-ማኩይ ብወገኑ፡እቲ ብተበግሶ ቱማይኒ (ተስፋ) ዝፍለጥ ዝርርብ ናይሮቢ፡ ንትግባረ ናይቲ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ ምፍታሕ ግጭት ደቡብ ሱዳን ዘደንፍዕ ምዃኑ ገሊጹ።
እቶም ተደራደርቲ ሰላም ንሃገራዊ መሰጋገሪ ኮሚቴ ኣፈጻጽማ ከም ዘይብሉ ስለ ዝገለጹ፥ኣፈጻጽማ ዘፈር ጸጥታን ምሕደራን ንምክትታል ሃገራዊ ኣፈጻጽማን ምክትታል መካኒዝምን ዝብል ስሙ ክቅየር ወሲኖም።
ማኩኤይ፡ዋላ እኳ ፕረዚደንትን ምክትሎምን ናይ ግዜ ገደብን ኣፈጻጽማ ዝዉስኑ እንተኾኑ፡ ንኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ዝኸዉን ገንዘብ ንምቅማጥ፡ማሕበረሰብ ለገስቲ፡ኣብ ዞባዊ ዘፍሕታትን መንግስትን ዝሓቖፈ ካልእ ኣካል ክቐዉም ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ-ኪር ንመዘንኡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊሊያም-ሩቶ፡ኣብ ሽምግልና ዝርርብ ሰላም መሪሕ ተራ ክሕዝ ከም ዝሓተቶ ዝፍለጥ’ዩ።