
ኣብ ኢትዮጵያ፡ኣብዚ ሕጅ እዋን ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ኣስታት 4 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም ከም ዘለዉ ቤት-ጽሕፈት ምዉህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘዉጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እቶም ተመዛበልቲ ዝበዝሑ፡ኣብ ክልላት ሶማሊያ፣ኦሮምያን ትግራይን ምዃኖም ዩኖቻ (UNOCHA) ኣብ ዘዉጽኦ ሓፈሻዊ ትንታነ ዉሽጣዊ ምምዝባል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ከም መረዳእታ ዩኖቻ፡እቲ ዝበዝሐ ምምዝባል ብሰንኪ ግጭት ዘስዓቦ ከም ዝኾነን፡ እዚ ድማ ኣብ 2021 ናብ ዝለዓለ ጀረጃ ዝበጽሓሉ ዓመት ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ኣስታት 56 ሚእታዊት ካብ ተመዛበልቲ ዉሽጢ ሃገር (IDPS) ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝተመዛበሉ ክኾኑ እንከለዉ፡ 23 ሚእታዊት ከኣ ካብ ክልተ ክሳዕ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዘሎ መቃን ጎዜ ዝተመዛበሉ ምዃኖም እቲ ዝወጸ መረዳእታ የመላኽት።
ብዙሓት ካብ’ቶም ተመዛበልቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝተናዉሐ ናይ ምምዝባል ኩነታት ዝነብሩ ኮይኖም፡ንኽምለሱ ንኽግዕዙ ወይ ኣብ ከባቢኦም ንኽወሃሃዱ ክሕገዙ ከም ዝኽእሉ፥ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ተመሊኺቱ እዩ።
ካብ ወርሒ ሕሪ 2022 ጀሚሩ ኣስታት 3.3 ሚሊዮን ተመዛበልቲ ናብ መበቖል ከባቢኦም፡ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ተመሊሶም እዮም።
“እንተኾነ ግን ብሰንኪ ኣብ ሓያሎ ክልላት ዝካየድ ዘሎ ምምዝባል፡ ኣብዚ ሕጅ እዋን ቁጽሪ ተመዛበልቲ 4.5 ሚሊዮን በጺሑ ኣሎ ይብል ዩኖቻ።
ኣስታት 126.5 ሚሊዮን ህዝቢ ብምሓዝ ድሕሪ ናይጀርያ ካልኣይቲ ብብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ እትርከብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ዝፍጸም ዓመጽ ሓዊሱ ተደጋጋሚ ሰብ ዝሰርሖን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ዝረኣየት ሃገር እያ።