ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መራሕቲ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ፈጣን ደገፍን ኣብ ጀኔቫ
ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ከካዪዱ ከምዝዓደመ፡ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን።
እቲ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ፡ ንበርገስ ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ውግእ ዝፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላው
ንምፍታሕን ዝዓለመ ምዃኑ፡ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ራማኔ
ላማምራ ገሊጹ።
እቲ ኣብ መንጎ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎን ዝካየድ
ዝርርብ፡ ካብ 10 ሓምለ ጀሚሩ ክቃናዕ ተወጢኑ ከምዘሎን፡ ክልቲኦም ጀነራላት ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ
ወይ ዘይሳተፉ ምዃኖም ከፍልጡ ደብዳበ በጺሕዎም ምህላዉን እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ዝኾነ ይኹን ምይይጥ ቅድሚ ምክያዱ፡ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ካብ ዝተቖጻጸርዎ
ከተማታት ክወጹ ኣለዎም ዝብል ተሪር ቅድመ-ኵነት ከንጸባርቕ ምጽንሑ ይፍለጥ።