ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ከም በዓል ሃገረ ሽወደንን ብዙሕ
ንግዳዊ ወፍርታት ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ሼኽ ኣላ-ሙዲ ኣብ
ሃገረ ስዑዲ ዓረብ ን7 ዓመት መመላእታ ናይ ገዛ እሱር
ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ጊዜዚ
መቕጻዕቱ ወዲኡ ናብ ትውልዲ ዓዱ ኢትዮጵያ ከም ዝኣቱ
ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይገልጻ ኣለዋ።
ብመሰረት ሜድያታት ኢትዮጵያ፡ ንኽብሪ ሼኽ ኣላሙዲ
ተባሂላ ኣቐዲማ ኣስታት 650 ሽሕ ዶላር ዝዋግኣ ሮል-
ሮይስ ዝዓይነታ መኪና ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝተኣተወት
ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተሰነየ ሓበሬታ ክወጽእ ከም ዝቐነየ
ዝፍለጥ እዩ።
ብተወሳኺ ሻራተን ሆቴል ንምቕባል ወናኒኡ ሼክ ኣላሙዲ
ኣዝዩ ዓቢ ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎን እታ ዘመናዊት
ሓዳስ ብሓይሊ ኤለክትሪክ ትሰርሕ መኪና ኣብ ኣፍደገ እቲ
በዓል 5 ኮኾብ ዘመናዊ ሆቴል ደው ኢላ
ከም ዘላን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሼኽ ኣላሙዲን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኢኮኖምን ፖለቲካን ዓቢ
ጽልዋን ተጽዕኖን ክገብሩ ካብ ዝኽእሉ ሰብ ሃብቲ ኣብ
ቅድሚት ዝስራዕ ኮይኑ፡ ምስቲ ብቀዳማይ ሚንስተር መለስ
ዜናዊ ዝምራሕ ዝነበረ ስርዓት ኢሂወደግ ኣዝዩ ጥቡቕ
ዝምድና ከም ዝነበሮ እዩ ዝንገር።