ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ቃላት ግጭት ዝቐነየ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ
ማሕሙድ፡ ንወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ሎሚ 08 ሓምለ ኣስመራ ከምዝኣተወ፡ ሚኒስተር ዜና
ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።
ብመሰረት’ቲ ኣቶ የማነ ኣብ ናይ ኤክስ ገጹ ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ሶማል ምስ ፕረዚደንት
ኢሳይያስ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ክመያየጥ እዩ።
ይኹን’ምበር፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ስምምዕ ካብ እትገብር ንደሓር
ንሓሙሻይ ግዜኡ ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ምስ ፕረዚደንት
ኢሳይይስ ዝገብሮ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ብቐንዱ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ዘተርኮረ ክኸውን
ከምዝኽእል፡ ተንተንቲ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃ ግምታቶም ሂቦም ኣለዉ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ዘሎ ወጥሪ ኣዝዩ ተመጢጡ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፡
መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብማዕከናት ዜና ክወቓቐሱ ቀንዮም ኣለዉ።