
ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ራምታን ላማምራ ዝጸውዖ፡ ኣብ መንጎ
ወከልቲ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ፈጣን ደገፍን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ርክብ ክካየድ ምዃኑ ዳርፎር24
ሓቢሩ።
ኣብዚ ኣብ ጀነቫ ዝካየድ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ሰብኣዊ ኩነታት ሱዳን፡ ረዲኤት ናብ
ተጸበይቲ ዝበጽሓሉ መንገዲን ኣብ ምክፍፋሉ ክውሰዱ ብዛዕባ ዘለዎም ስጉምቲታትን ክመያየጡ
ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ብተወሳኺ፡ ድሕነት በርጌስ ዝሕለወሉ ኣገባብ፡ ምናብልባት’ውን
ክሳብ ደው ምባል ተዅሲ ዝኸይድ ዘተ ከካይዱ ምዃኖም፡ እቲ ማዕከና ንምንጭታት ሕቡራት ሃገራት
ብምጥቃስ ኣሚቱ።
ልኡኽ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ድሮ ጀኔቫ ከምዝኣተወ ክፍለጥ እንከሎ፡ ወኪል ሰራዊት ሱዳን ድማ
ጽባሕ ክኣቱ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ሱዳን ብዝካየድ ዘሎ ሓድሕዳዊ ውግእ፡ 25 ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎ
ከምዘሎ ይፍለጥ።