ኣብ ትግራይ ኣብ ዘሻቕል ደረጃ በጹሑ ዝርከብ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም መጥቃዕቲ መግትኢ
ክግበረሉ፡ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሳ 25 ሲቪካዊ ውድባት ጸዊዐን።
እተን ውድባት ትማሊ 08 ሓምለ ኣብ ዘውጽእኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ
ደቀንስትዮ ንዝፍጸም መጥቃዕቲታት፡ ኣካላት ጸጥታን ፍትሒን ናይቲ ግዜያዊ ምምሕዳር ዘድሊ
ግብረ-መልሲ ይህብሉ ከምዘየለዉ ብምውቃስ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ
ንዝፍጸሙ ገበናት ብቕንዕናን ብዘይሻራነትን፡ ተሓታትነት ብዘረጋግጽ መንገዲ ግብረ-መልሲ
ብምሃብ፡ ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነቶም ከልዕሉ ጸዊዐን።
ድሕሪ’ቲ ናይ ክልተ ዓመታት ውግእ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ቅትለትን ከትርን
ተጋዲዱ ከምዝቐጸለ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ደው ክብል ሓቲቱ
ኣሎ።
ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብታ ከተማ ጥራይ ኣብ 11 ኣዋርሕ
12 ደቀንስትዮ ክቕተላን 80 ካልኦት ብሓይሊ ክድፈራን ከለዋ፡ 178 ናይ ፈተነ ቅትለትን 10 ናይ
ክትራንን ገበናት ተፈጺሞም።