ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ግኑን ተርእዮ ኮይኑ ዘሎ
ጭውያ ሰባት ብትሪ ከምዝኹንኖ ብምግላጽ፡ ደው ክብል ጸዊዑ።
እቲ ኤምባሲ ትማሊ 08 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ገንዘብ ንምርካብ ዝግበር ጭውያ በርጌስን
ተማሃሮን፡ ደው ክብል ኣለዎ” ድሕሪ ምባል፡ “እዞም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ክልላት ኦሮምያን
ኣምሓራን ብተደጋጋሚ ዝረኣናዮም ጭውያታት፡ ዝተናውሐ ግጭት ክሳብ ክንደይ ንገበነኛታት
ከምዘተባብዕን ንግዝኣተ ሕጊ ከምዘዳኽምን ዘርእዩ እዮም” ኢሉ።
መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ነቲ ብ03 ሓምለ ዘጋጠመ ጭውያ ተማሃሮ ስዒቡ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ሽዑ፡
መብዛሕትኦም ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደባርቕ ዝኾኑ ልዕሊ 100 ተማሃሮ ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ኣዲስ
ኣበባ ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ እዋን፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ገርበ ጉራቻ ምስ በጽሑ ብዕጡቓት
ከምእተጨውዩ ይዝከር። ሒደት ካብኣቶም ከምልጡ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ
ኢድ’ቶም ዕጡቓት ይርከቡ። ሓንቲ ስድራ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ውላዳ ንምርካብ ኣብ
ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት 700 ሽሕ ብር ክትከፍል ከምእተሓተተት ገሊጻ።