ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ሰሉስ 9 ሓምለ 2024፡ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ናብ ሱዳን ከም ዘምርሐን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ፖርት ሱዳን ብመራሒ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ኣል ቡርሃን ድሙቕ ኣቀባብላ ከም ዝተገብረሉን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ኣተኲሮም ከም ዝተዘራረቡ ሱዳን ትሪቢዩን ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ  ዜና ሓቢሩ።

ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ሱዳን ዘሎ ኩነታት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ንገዳርፍ ከየጥቅዑ ከም ዘይተርፉን፡ ድሕሪ ናይ ገዳርፍ መጥቃዕቲ ድማ እቲ ኲናት ናብ ኢትዮጵያ ገጹ ከም ዘምርሕ  ንቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝሓበሮ ጸብጻብ ሱዳን ትሪቢዩን ኣረዲኡ።

ተንተንቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብወገኖም ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ምስ ኣምሓራ ፋኖ ብዙሕ ተመሳሳልነት ስለ

ዘለዎም ዕድል ኣብ ዝተረኽበሉ ሽርክነት ፈጢሮም ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ዘይምርግጋእ ክፈጥሩ ከም ዝኽእሉ ከጠንቅቑ እዮም ጸኒሖም።

ብመሰረት ሓደ ሓደ ምንጭታት ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ክበጽሕ ዝኸኣለ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብስልኪ ድሕሪ ምዝርራቡ ከም ዝኾነ ክሕበር ከሎ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ናይ ስዑዲ ዓረብ ድፍኢት ከም  ዘለዎ እዩ ዝግለጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንክሎ፡ መራሒ ሰራዊት ሱዳን፡ ሓይልታት ፈጣን ደገፍ ካብ ቀንዲ ከተማታት ወጺኦም ናብ ዝተለለዩ መዓስከራት ካብ ከተማ ዝርሓቑ ቦታታት እንተዘይ ኣትዮም ንሰላማዊ ዝርርብ ድልዋት ከም ዘይኮኑ ከም ዝገለጸ ካብ ምንጫታት ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።