ቪንገጋርድ ኣብቲ ምስ ታጀይ ፖጋቻር ዝገበሮ ናይ ክልተ መሪሖም ዝወዓሉ ቅጽበታዊ ውድድር’ዩ ንፖጋቻር ረቲዑ ናይ መጨረሽታ ሕንጻጽ ዝረገጸ። ሬምኮ ኤቨንፑል ድማ 3ይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ።

እዚ 211 ኪ ሜ ዝሽፍን ናይ ሎሚ ውድድር፡ እቲ ዝሓየለ መድረኽ ተባሂሉ ብብዙሓት ግምት ተዋሂቡዎ ዝጸንሐ፡ ዓቐብ ዝበዝሖ ውድድር ብምንባሩ ንቢንያም ግርማይ ዝምችእ ውድድር ኣይነበረን።

እቲ ውድድር 138 ኪ ሜ ክተርፎም ከሎ ኣብ ዝተገብረ  ናይ መንጎ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኣንቶኒ ቱርጊስ 1ይ ኰይኑ 20 ነጥቢ ከዋህልል ከሎ ኣክሰል ዚንግለ 2ይ ኰይኑ 17 ነጥቢ፡ ፓወል ላፔራ  ድማ 3ይ ኰይኑ 15 ነጥቢ ረኺቦም።

27 ኪሜ ክተርፎ ከሎ ኣብ ዝነበረ ካልእ ቅጽበታዊ ውድድር ድማ ታደይ ፖካቻር 1ይ፡ ዮናስ ቪንገጋርድ 2ይ፡ ፕሪሞዝ ሮሊክ 3ይ ብምዃን ተዓዊቶምሉ።

39 ኪ ሜ ክተርፎ ከሎ ኣብ ዝነበረ ካልእ ቅጽበታዊ ውድድር፡  ቤን ሂሊ 1ይ፡ ኦየር ላዝካኖ 2ይ፡ ሪቻርድ ካራፓዝ ድማ 3ይ ደረጃ ሒዞም።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ዝቕጽል መድረኻት ዓወት ንምነየልካ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣብ ቻይና ዝተኻየደ 4ይ መድረኽ ዙር Qiynghay Lake ቀጠልያ ማልያ ወኒኑ።

LE LIORAN, FRANCE – JULY 10 : Girmay Biniam (ERI) of Intermarche – Wanty at the finish line during stage 11 of the 111th edition of the Tour de France 2024 cycling race, a stage of 211 kms with start in Evaux-les-Bains and finish in Le Lioran on July 10, 2024 in Le Lioran, France, 09/07/2024 ( Photo by Nico Vereecken / Photo News