ሓድሽ መንግስቲ ብሪጣንያ ንስደተኛታት ናይ ምጥራዝ መደብ ከምዝሰረዞ ድሕሪ ምግላጹ፡ መንግስቲ
ሩዋንዳ፡ ኣቐዲሙ ካብ ብሪጣንያ ንዝጥረዙ ስደተኛታት ንምቕባል በታ ሃገር ዝተዋህቦ ልዕሊ 300
ሚልዮን ዶላር ከምዘይመልስ ኣሚቱ።

ወሃብ ቃል መንግስቲ ሩዋንዳ ኣለይን ሙኩራሊንዳ፡ ብኤጀንሲ ፈነወ ሩዋንዳ ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ
ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ምስ ብሪጣንያ ስምምዕ ነይሩና። ክልቴና ምስፈረምናሉ ኣህጉራዊ ስምምዕ
ኮይኑ፣ ንትግባረኡ እናሰራሕና ብሪጣንያ ስሒባ፣ ሰናይ መንገዲ ይግበረሎም” ድሕሪ ምባል፡ “ኣብቲ
ስምምዕ ንምምላስ ናይቲ ገንዘብ ዝጠቅስ ዓንቀጽ የለን፣ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት እቲ ገንዘብ
ክምለስ ከምዝኽእል ኣይገልጽን እዩ” ኢሉ።