ውግእ ሱዳን ናብ ምብራቓዊ ዞባታት’ታ ሃገር ኣብ ዝልሕመሉ ዘሎ እዋን፡ ኣህጉራውያን ውድባት ኣብ
ሱዳን ንዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ብውሑስ ኣገባብ ናብ ካልእ ቦታ
ከግዕዘኦም ሂዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ።
ሓድሕዳዊ ውግእ ሱዳን ናብተን ብብዝሒ ስደተኛታት ኣዕቊበን ዝርከባ ከባቢታት ይቃረብ ከምዘሎ
ዝጠቐሰ እቲ ንመሰል ሰባት ዝጣበቕ ውድብ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ክፍለ ሃገር ሲናር ዝተጓሃሃረ
ግጭት ኣብ ድሕነት ስደተኛታት ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ገሊጹ።
ሂዩማን ራትስ ዎች ኣብ መግለጺኡ፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ብፍላይ ከኣ ተጋሩ፡ ብሰንኪ
ጸጥታዊ ኩነታት ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዘይክእሉ ጠቒሱ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ግን ብሓይሊ
ክሰጉዎም ጀሚሮም ከምዘለዉ ጸብጻባት ከምዝበጽሖ ኣነጺሩ።
ኣብ ሃገሮም ጭቆናን ግዱድ ዕስክርናን ዝመረሮም ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ክፍለ ሃገር
ከሰላ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ከምዝርከቡን ኣብ ክፍለ ሃገር ሲናር ልዕሊ 40 ሽሕ ኢትዮጵያውን
ስደተኛታት ከምዘለዉን ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ ኩሎም እዚኣቶም፡ ምስ ገስጋስ ሓይልታት ፈጣን
ደገፍ ከቢድ ናይ ህላወ ሓደጋ ኣንጸላሊዩዎም ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ኣህጉራውያን ውድባት፡ ሓደጋ ከይወረደ ከሎ፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገር
ብውሑስ ኣገባብ ዝግዕዝሉ ኩነታት ክፈጥራ ተማሕጺኑ።