ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዩኒቨርሲቲ ደባርቕ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጓዕዙ እንከለዉ ካብ ዝተጨውዩ 167
ተማሃሮ፡ ነቶም 160 ናጻ ከምዘውጽኦም፡ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ገሊጹ።
እቶም ተማሃሮ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ድሕሪ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ናጻ ከምዝወጹ፡ ሓላፊ
ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ናይቲ ክልል ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ ሓቢሩ።
ነቲ ጭውያ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ምዃኖም ዝገለጸ ኣቶ ሃይሉ፡ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ተማሃሮ
ሓራ ንምውጻእ ጻዕርታት ሓይልታት ጸጥታ ይቕጽል ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዝርአ ዘሎ ደረት ዝሓለፎ ጭውያን ቅትለትን፡ ሓያለ ኣህጉራውያንን ዘቤታውያንን
ውድባት ሻቕሎተን ኣብ ምግላጽ ይርከባ።