ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ጊዜ ዝነበረ ግጭት ብምትእስሳር ልዕሊ 40 ሰባት ተኣሲሮም ከም ዘሎዉ ካብታ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ግጭት ምስ ብሄረሰብ ዘይሴ ዝርከብሉ ዝተፈላለያ ቀበሌታት ፍሉይ ምምሕዳር ወረዳ ብምትሕሓዝ ዝቐርብ  ሕቶታት ከም ዝዀነ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብተን ኣብ ከባቢ ኣርባ-ምንጭ ዝርከባ ኤልጎ፥ ወዘካ፥ደምብለን ጫሞን ዝብሃላ ዓድታት ዝርከቡ ነበርቲ ማእሰርቲ ቀጺሉ ከም ዘሎ ድምጺ ኣመሪካ ዘቃልሓቶ ሓበሬታ የገንዝብ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2024፥ ኣብ መንጎ ፖሊስን ነበርትን ግጭት ተወሊዑ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ።
እተን ምምሕዳራዊ ከባብታት ናይ ባዕለን ሓደ ዝኾነ ናይ ወረዳ ምምሕዳር ክህልወን ዝሓታ ምኳነን ጸብጻባት የመልክቱ።
እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ እሱራት ማህረምትን ካልእ ግፍዕታትን ይወርዶም ከምዘሎ ኣባላት ስድራ-ቤቶም ይጠርዑ ከም ኣብ ዘለዉሉ ግዜ፥ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ኣድሂቡ ካብ ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባቢ ርእይቶ ምርካብ ከም ዘይተኽኣለ እቶም ጸብጻባት ወሲዀም የረድኡ።