ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ወግዓዊ ናይ ስደተኛታት ወረቐት ስለ ዘይብሎም፡ዝዀነ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ኣመና ከም ዝጽገሙ ጸብጻብ ድምጺ ኣመሪካ ይሕብር።
 እቶም ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለዩ መንግስታውያን ትካላት ደጋጊሞም ጠሪዖም ሰማዒ ኣካል ስለ ዘይረኸቡ ድማ፡ ማሕበር ኣቝሞም ሽግራቶም ንምፍታሕን ብዘለዎም ንምትሕግጋዝን ይጽዕሩ።እዚ ግን ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ ዘይምዃኑ ምግላጾም እታ ማዕከን ዜና ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ የመልክት።
ኤሪሳት ንገለ ገለ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትረኽቦም ዝገብረቶ ጻዕሪ ዛጊት ኣይሰለጠን ኣሎ።
ነቶም ስድተኛታት ኣብ ዝረኸብናሎም ጊዜ ድማ ዘሎ ሓበሬታ ናባኩም ከነቕርብ ምኳና ክንሕብር ንፈቱ።