ኡጋንዳ፡ ነቶም አብ ምብራቃዊ ሸነኽ ኮንጎ ዝንቀሳቐሱ ደባይ ተዋጋእቲ ብስም ኤም-23 ዝፍለጡ ትሕግዞም ኣላ ዝብል ዝተቃለሐ ድምጺ ቤት-ምኽሪ ሕብራት ሃገራት ከም ዝነጸገቶ ካብታ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ኮምሽን ቤት-ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ዉድብ ሕብራት ሃገራት ዝዘርገሖ ጸብጻብ ‘ኣባላት ኣገልግሎት ስለያ ኡጋንዳ፥ንጉጅለ ኤም- 23 ይድግፉዎ ኣለው’ ዝብል እዩ።
ንትካል ዜና ፈረንሳ ሎሚ ግብረ- መልሲ ዝሃበ ወትሃደራዊ ወሃቢ ቃል ግና ‘እቲ ጠቀነ መስሓቅ እዩ፥መሰረት ዘይብሉን፡ኡጋንዳ ንምዝራግ ኮንጎ ዓሊማ ትሰርሕ ኣላ ምባል ዘይምኽንዩ እዩ’ ከም ዝበለ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ወሃቢ ቃል ኡጋንዳ ኣብ ክንድኡ ምስ ኮንጎ ተሓጋጊዛ፣ነቲ ኣብ ምብራቃዊ ሸነኽ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንክግታእ ኣብ ህንጸት ሰላም እያ ትርከብ ክብል ምላሽ ከም ዝሃበ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት።
ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዲሞክራስያዊት ኮንጎ ብጉጅለ ኤም-23 ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኲናት ካብ 3-4 ሽሕ ዝኰኑ ሩዋንዳውያን ይሳተፉ ከም ዘሎዉ ጸብጻባት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት የገንዝቡ።