PAU/ST LARY SOULAN PLA D’ADET Girmay Biniam (ERI) of Intermarche - Wanty at the start

ኣብ ናይ ነጥቢ ውድድር ብ 353 ነጥቢ መሪሕነት ሒዙ ንቀንዲ መወዳድርቱ ያስፐር ፊሊፕሰን ከኣ ናይ 76 ነጥቢ ፍልልይ ኣንጺፉ ዝመጸ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ 14 ሓምለ መበል 15 መድረኽ ውድድሩ እውን ዓወት እናሓፈሰ ይቕጽል ኣሎ።

ብመሰረት ኣብ ናይ ፍርቂ መንገዲ ዝተገብረ ቅጽበታዊ ውድድር ዘመዝገቦ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ውጽኢት፡ 15 ነጥቢ ክሓፍስ ከሎ፡ ንዝጸንሖ ነጥቢ ናብ 368 ክብ ኣቢሉዎ ኣሎ። ቀንዲ መቐናቕንቱ ያስፐር ፊሊፕሰን ነጥቢ ስለዘየምዝገበ ከኣ ንዝጸንሖ ፍልልይ ናብ 91 ክብ ከም ዘበሎ መርበብ ሓበሬታ ጋንታኡ ኢንተርማርሸ ይሕብር።

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ናይ መንጎ ቅጽበታዊ ውድድር ንመቀዳድምቱ ማይክል ማቲዩ ዓጊቱ ብዝብል ሕጊ ካብቲ ዝሓዞ ቀዳማይ ደረጃ ናብ ሳልሳይ ደረጃ ስለዝተመልሰ’ዩ ነዚ ናይ ሎሚ 15 ነጥቢ ጥራይ ክረክብ ዝኸኣለ።
ነዚ ናይ ሎሚ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ከቢድ ዓቐብ ዝነበሮ ውድድር፡ ታደይ ፖጋቻር ንካልኣይ ኰይኑ ዝስዕቦ ዝነበረ መወዳድርቱ ናይ ልዕሊ ሓደ ደቒቕ ፍልልይ ኣንጺፉ ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ፡ ዮናስ ቪንገጋርድ ካልኣይ፡ ሬምኮ ኤቨነፑል ሳልሳይ ኰይኖም ተዓዊቶምሉ።

ትካል ኤሪሳት ነዚ ሃብሮም ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ዮሃና ትብል።