ፖሊስ ኬንያ፡ ኣብ ቀንዲ ናይ ንግድ ማእከል ከተማ ናይሮቢ ሰልፊ ከይካየድ ብረቡዕ ንዘሕለፎ ክልከላ፡
ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ትማሊ 18 ሓምለ ከምዝገልበጦ ካብታ ሃገር ዝወጹ ሓበሬታታት ኣመልኪቶም።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ዜጋታት ኣብቲ ዝተጠቕሰ ቦታ ብምትእኽኽባ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውምኦም ናይ
ምስማዕ መሰሎም ምእጋድ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ ንውሳኔ ፖሊስ ኣልዒልዎ ኣሎ።
ፖሊስ ነቲ ክልከላ ዘንበሮ፡ መራሒ ዘይብሎም ተቓወምቲ መንእሰያት ንምቁጽጻርን ጸጥታ
ንምኽባርን ኣጸጋሚ ኩነታት ብምፍጣሩ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብጸቕጢ ተቓወምቲ መንእሰያት፡ ዝሓለፈ ሰሙን ካቢኔኡ እኳ እንተበተኖ፡
እቲ ኣብ ጎደናታት ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ግን ሕጂ’ውን ይቕጽል እዩ ዘሎ።