ብመሰረት’ቲ ኣብ መንጎ ቱርክን ሶማልን ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ናይ ሃይርዶካርቦን ምትሕብባር
ስምምዕ፡ ቱርኪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ናይ ዘይትን ጋዝን ዳህሳስ ንምክያድ ኣብ መወዳእታ ናይዚ
ዓመት’ዚ መርከብ ክትልእኽ ምዃና፡ ሚኒስትሪ ጸዓት’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
“ኦሩክ ረይስ ዝተባህለት ናይ ዳህሳስ መርከብና ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ወይ መጀመርታ
ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ሶማል ክንልእኻ ኢና። ንኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣገዳሲ ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ
መጽናዕቲ ድማ ከተካይድ እያ” ይብል ሚኒስተር ጸዓት ቱርኪ ኣልፓርስላን ባይራክታር ብ18 ሓምለ
ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።
ክልተ ካብቶም ሰለስተ ብሎካት ካብ ገማግም ባሕሪ 50 ኪሎ ሜተር ዝተፈንተቱ ክኾኑ እንከለዉ፡
እቲ ሳልሳይ ግን ኣስታት 100 ኪሎ ሜተር ከምዝርሕቕ ዝገለጸ እቲ ቱርካዊ ሚኒስተር፡ ሃገሩ፡ ሶማል
ኣብ ገማግማ ሃብታም ናይ ዘይትን ባህርያዊ ጋዝን ጸጋ ኣለዋ ኢላ ከምእትኣምን ገሊጹ። “ኣብ ሰለስተ
ብሎካት ንዝግበር ዳህሳስ ኢና ስምምዕ ፈሪምና። ኣብዞም ከባቢታት’ዚኣቶም ነዳዲ ዘይቲ
ምስረኸብና፡ ቱርኪ ናይ ዳህሳስን ምፍራይ ምህርትን ሕዙእ መሰል ክህልዋ እዩ” ድማ ኢሉ።