ኡርሱላ ቫን ደር ለየን፡ ንዝመጹ ሓሙሽተ ዓመታት ንኤውሮጳዊ ኮሚሽን ብፕረዚደንትነት ክትመርሕ
ዳግም ተመሪጻ።
ኣብቲ ብ18 ሓምለ ኣብ ከተማ ስትራስበርግ ብኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ብምስጢር ዝተኻየደ
ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ-ስርዓት፡ ኡርሱላ ቫን ደር ለየን ዘድልያ ድምጺ 360 እኳ እንተነበረ፡ 401
ድምጺ ብምርካብ’ያ ብሰፊሕ ተዓዊታ።
ንሳ፡ ፈለማ ኣብ 2019 ድሕሪ ምምራጻ’ያ ፕረዚደንት ናይቲ ኮሚሽን ኮይና ክትመርሖ ጸኒሓ።
ድሕሪ ዓወታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ንኤውሮጳ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር፡ ዲሞክራሲኣ
ምሕላውን ምክልኻልን ምዃኑ ብምምልካት፡ ኤውሮጳዊ ዲሞክራሲ ብውሽጥን ብደገን መጥቃዕቲ
ይፍነወሉ ከምዘሎ ኣዘኻኺራ። “ሸሓጥቲ ፖለቲከኛታትን ጥሩፋትን ንኤውሮጳዊ ኣገባብ ህይወትና
ከዕንዉዎ ይፍትኑ ኣለዉ” ድሕሪ ምባል ከኣ፡ ኣብቲ ፓርላማ ምስ ዘለዉ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት
ብምትሕብባር ክትቃለሶም ምዃና ኣረጋጊጻ።
ሕጹይነት ጀርመናዊት ኡርሱላ ቫን ደር ለየን ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ብመራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ
ጸዲቑ።