መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፡ ዜጋታቱ ካብቲ ኲናት ዘረኻኸበሉ ዞባታት ሱዳን ኣውጺኡ ናብ ዓዶም ናይ
ምምላስ ወፍሪ ከምዝኣወጀ ሱዳን ትሪቢዩን ሓቢሩ።
እቲ ወፍሪ፡ መንግስቲ ሱዳን ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ክወጹ ብምእዛዝ ናይ ግዜ ገደብ ድሕሪ
ምቕማጡ እዩ ዝስዕብ ዘሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ሮመዳን መሓመድ ዓብደላ ጎሽ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ
ሱዳን ኣብተን ምስ ደቡብ ሱዳን ዝዳወባ ክፍላተ ሃገር ንዝነብሩ ወጻእተኛታት፡ መብዛሕትኦም ደቡብ
ሱዳናውያን፡ ከጋፍዑን ገፊፎም ክዳጉኑን ከምዝቐነዩ ንዝገልጽ ብኣሳእል ዝተሰነየ ጸብጻባት፡ ላዕለዋይ
መሪሕነት ደቡብ ሱዳን የጻርዮ ከምዘሎ ሓቢሩ።
እታ ነቲ ናይ ምግዓዝ ወፍሪ ንምውህሃድ ዝተመዘዘት ጉጀለ፡ ናይ ሕጂን ናይ ቀደምን ላዕለዎት ሰበ-
ስልጣን ዝሓቖፈት ኮይና፡ ንህዝቢ፡ ነጋዶ፡ ተደናገጽቲ ውልቀ ሰባት፡ ትካላት ግብረ-ሰናይ፡ ናይ
ሃይማኖት ማሕበራትን ካልኦትን ኣጎሳጒሳ ጸጋታት ምትእኽኻብ ጀሚራ ከምዘላ እቲ ሚኒስተር
ኣፍሊጡ። እቲ ወፍሪ፡ ግብረ-መልሲ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝምዕብል ዘሎ ሰብኣውን ጸጥታውን ኩነታት
ምዃኑ ድማ ጠቒሱ።